ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ምርጫ 37 ሚልዮን ሰባት ድምጾም ንምሃብ ብቑዓት ኮይኖም ምርኻቦም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ኣድመፅቲ ድምፂ ንምሃብ ብቑዓት እዮም ተባሂሎም።

መረፅቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ታሪኻዊ ምርጫ ኢሎም ኣብ ዝፀውዕዎ ንሰላምን ዝሓሸት ኢትዮጵያን ንምርኣይ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

እየሩሳሌም መሸሻ ዝተባህለት ነባሪት እዚ ምርጫ ንኢትዮጵያ ወሳኒ እዩ ትብል።ኩሉ ነገር ድሓን ክኸውን እዩ ድሕሪ እቲ ምርጫ ድማ ሰላም ክሰፍን ተስፋ ኣለኒ ትብል።

ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፓርላም ዝበዝሕ ድምፂ ክረክብ ትፅቢት ይግበር።

44 ዓመት ዝዕድሚኦምን ተዓዋታይ ናይ ሰላም ሽልማትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ "ፈላማይ ፈተነ ነፃን ሚዛናውን ምርጫ እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው።

እንተኾነ ግን ናይ ሎሚ ዘመን ምርጫ ብምክልባት፣ ብምፍርራሕን ኣብ ትግራይ ብዝቐፀለ ግጭትን ንገዛኢ ፓርቲ ብምኽሳስ ገለ ፍሉጣት ተቓወምቲ ፓርትታት ነቲ ምርጫ ተሓሲሞምዎ እዮም።

ብኻልእ ዜና ስዓት 12 ክዕፀው ዝነበሮ ምሃብ ድምፂ ክሳብ ምሸት ስዓት ሰለስተ ምንውሑ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ኣብ መስርሕ ምሃብ ድምፂ ብዝተፈጥሩ ምድንጓያት ስዒቡ እዩ እቲ ናይ ምንዋሕ ስጉምቲ ምውሳዱ'ቲ ቦርድ ምርጫ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፣ፖለቲካዊ መራሕትን ደገፍትን ኩሎም ኣድመፅቲ ብነፃን ሰላማውን ኣገባብ ምምራጾም ክረጋገጽ ከምዘለዎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ፀሓፊ ኣንትዮኒዮ ጉተረዝ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣተሓሳሲቦም።

ንወሃቢ ቃል ናይቶም ዋና ፀሓፊ ስቴፈን ዱጃሪክ ዝጠቐሰ መግለፂ እቶም ዋና ፀሓፊ እዚ ምርጫ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ፈታኒ ፖለቲካውን ፀጥታውን ሃዋህው እዩ ኢሎም።

ኩሎም ሰብ እጀታ ኣካላት ካብ ህውከት ወይ ፅልኢ ዘለዓዕል ተግባራት ክዕገሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።መራሕትን ኣብቲ ምርጫ ይሳተፉ ዘለው ተሳተፍትን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምሕያልን ናይ ፅልኢ መደረ ክወግዱን ክሰርሑ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣተባቢዖም።እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ይኹን ናይ ምርጫ ምስሕሓብ ብልዝብን ዝተቐመጡ ናይ ሕጊ ኣገባባትን ክፍትሑ ኣስሚሮምሉ ኣለው ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ድምፆም ከምዝሃቡ መረፅቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ድሕሪ ቀትሪ ግንናይ መረፅቲ ድምፂ መውሃቢ ወረቐት ሕፅረት ስለዝተፈጥረ ንምምራፅ ናብ ድምፂ መውሃቢ ማእኸላት ዝመፁ ኣድመፅቲ ድምፂ ከይሃቡ ከምዝተመልሱ ሓቢሮም።

ንድምጺ ኣሜሪካ ቃሎም ዝሃቡ ተወዳደርቲ ፓርትታት "በሰንኪ ሕፅረት መውሃቢ ድምፂ መሰል ዜጋታት ተደሪቱ ኣሎ’’ክብሉ ንቦርድ ምርጫ ኣተሓሳሲቦም።

አደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ሽም ሃዋሳ እንተዘይጠቐሳ ብዝተፈጥረ ሕፅረት ቀረብ ናውቲ ይቕሬታ ብምሕታት ናይ መአረምታ ስጉምቲ ክውሰድ እዪ ኢለን።

XS
SM
MD
LG