ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ብኮሮና ቫይረስ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ ተነጽሎ ከምዘለው ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ናይ ኖቬል ኮሮና ቫይረስ ከምዘይተረኸበ ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ካብ ዞባ ውሃን ቻይና ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ኣርባዕተ ሰባት እውን ካብ ቻይና ንዝመፁ ተጎዓዝቲ ኣብ ዝተፈለየ መፅንሒ ኣብ ምክትታል ከምዘለው ኣብ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ድኤታ ዶ/ር ሙኒር ካሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

“ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮረና ቫይረስ ዝተታሕዘ ዋላ ሓደ ሰብ የለን።ነገር ግን ምናልባሽ ኮረና ቫይረስ ክህልዎም ይኽእል እዩ ኢልና ዝጠርጠርናዮም ኣርባዕተ ሰባት ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ከይራኸቡ ኣብ ኳራንታይን ወይም ኣብ ፍሉይ መፅንሒ ኣብ ክትትል ኣለው።”

ዶ/ር ሙኒር ካሳ ኣርባዕቲኦም ተማሃሮ ምዃኖምን ሰለስቲኦም እቲ ቫይረስ ብብዝሒ ካብ ዝረአየላ ዘሎ ክፍለ ግዝኣት ውሃን ከምዝመፁን ሓቢሮም።ምርመራ ተኻይዱሎም ነፃ/ነገቲቭ/ ምዃኖም ብምሕባር ናይ መወዳእታ ውፅኢት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ መፀ ከምዝግለፅ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG