ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምንስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአሰሩ ክልተ ጠበቓታት ብዘይ ቕድመ ኩነት ክፍትሑ ጸዊዑ


ኣብ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ዝተኣሰሩ ናይ ሕጊ ጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉን ኣቶ ሚካኤል መላከን ብዘይ ቅድመ ኩነት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት /Amnesty International/ ሓቲቱ።ፖሊስ ንኽሲ ዘቕረቦ መበገሲ ሕቶ መሰል እምበር ገበን ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

“ሄኖክን ሚካኤልን ዝተኸሰስሉ ንመንእሰያት ብምውዳብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ብዝተወልዱ ክትምራሕ የብላን፣ምስ ናይ ፍልስጤም ኤምባሲ ርክብ ምፍጣሮም ዝብል እዩ።እዚኦም ገበናት ኣይኮኑን።ፈፂሞምዎም እንተድኣ ኮይኖም እውን መሰሎም እዮም ተጠቒሞም እዮም”።

ኣቶ ፍስሃ ተክሌ ናይ ምውዳብ መሰል ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ’ ዩ እውን ኢሎም።እዞም ሰባት እዚኦም ክእሰሩ ስለዘይነበሮም ኢና ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ንብል ዘለና ኢሎም ይብል።

XS
SM
MD
LG