ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣብ ከተማ ናዝሬት ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣብ ኣወዳድባን ሕጊ-ስሪትን`ቲ ሓዲሽ ፓርቲ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ናብ`ቲ ውሁድ ፓርቲ ክጽንበር ምውሳኑ ኣፍሊጡ`ሎ።
ነቲ ውህደት ኣመልኪቱ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኦዴፓ ኣቶ ካሳሁን ጎፌ፡ ብዛዕባ`ቲ ሓዲሽ ዝቐውም ፓርቲ ሰፊሕ ክትዕን ዘተን ምክያዱ`ውን ንመንግስታዊ መሓ ሓቢሩ`ሎ።
ብተመሳሳሊ፡ ገዛኢ ፓርቲ ኣምሓራ ኣዴፓ`ውን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህጹጽ ውድባዊ ኣኼባ፡ ናብ ብልጽግና ፓርቲ ክጽንበር ወሲኑ`ሎ።
ሓዲሽ ዝተመስረተ ብልጽግና ፓርቲ፡ ናይ ጽልኢ ፓለቲካን ዝተዛብዐ ትካላዊ መሰረትን ንኸይነግስ ዕዙዝ ተራ ከምዝህልዎ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።
ኣቦ-መንበር ኣዴፓ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ፡ ናብ`ቲ ውሁድ ፓርቲ ክጽንበር ከሎ፡ ንዝሓለፈ ታሪኹ ንምፍራስ ዘይኮነን፡ ዝነበርዎ ሓያል ጎንታት ንቀጻሊ ስንቂ ጌሩ ንምቕጻል` ምዃኑ ተዛሪቡ።