ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ አብ መገዲ ሰላም፤ ዘተ ቴለቪዥን


ኢትዮጵያ አብ መገዲ ሰላም፤ ዘተ ቴለቪዥን(1ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:22:33 0:00

ኢትዮጵያ አብ መገዲ ሰላም፤ ዘተ ቴለቪዥን

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ጽፉው ምዕባለታት ሰላም ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ በበይኑ ኵርናዓት ምይይጥ ሓሳባት ንምእንጋድን፡ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብ3 ታሕሳስ 2022 ኣብ ስቱድዮ ዝተቐርጸ ናይ ቴለቪዥን ዘተ ኣካዪዱ ነይሩ።

እዚ“ኢትዮጵያ ኣብ መገዲ ሰላም” ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ዘተ ነተን ኣብቲ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍነዋ ቀንዲ ቋንቋታት፡ ኣምሓርኛ፡ ኣፋን ኦሮሞን ትግርኛን ዘማእከለ ኰይኑ፡ ካብ ተዛረብቲ ተወከልቲን እዞም ሰለስተ ወገናት’ውን’ዩ ከም ተዛተይቲ ኣቕሪቡ።

እዚ ዘተ ካብ በበይኑ ክፋላት ኢትዮጵያ ኣመሪካን ርእይቶታት ህዝቢ ኣጠቓሊሉ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ስቱድዮ ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ፡ዋሺንግተን ዲሲ ብ3 ታሕሳስ ዝተቐርጸ መደብ፡ ኣስታት 20 ዝበጽሑ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ ካብ ርሑቕ ብመገዲ ስካይፕ ነቲ ዘተ ዝተጸንበሩ ክኢላታትን ተንትንቲን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ስቱድዮ ዝተርኸቡ ሰለስተ ተዛተይቲ ካብ ብሄራት ኣምሓራ፡ ትግርኛን ኣፋን ኦሮሞን ነይሮም። ተሳተፍቲን ተዛተይቲን ብብወገኖም ቅድሚ ሕጂ ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ነይሩ ዝብሉዎን ኢትዮጵያ ካብዚ ዘላቶ ስእነት ሰላም ክትወጽኣሉ እትኽእል ዝበሉዎን በበይኑ ሓሳባት ኣፍሲሶም።

ተዛትይቲ ኣቶ ሄኖክ ኣበበ በዓል ሞያሕጊን ደራሲን ተሓላቒ መሰላትን፣ ተሓላቒት መሰላት ደቀንስትዮን ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ኣብ ሓያሎ መድረኻት መሪሕ ተራ ሒዛ ክትዋሳእ ዝጸንሐት ወ/ሪት መኣዛ ግደይን ፣ ከምኡ’ውን መምህር ታሪኽ ኣብ ጄምስ ማዲሰን ዩኒቨርሲቲ ተሓ/ፕሮፌሰር ኢታና ሃብተ’ዮም።

XS
SM
MD
LG