ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ንጥርጡር ገበን ቅትለት ንኣሜሪካ ኣሕሊፋ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ወሃቢ ቃል ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ዝናቡ ተኑ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ዝናቡ ተኑ -ፋይል

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብቅትለት ክልተ ሰባት ዝተጠርጠረ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፎም ከምዝህብዎ ኣፍሊጦም።

ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ብቅትለት ክልተ ሰባት ዝተጠርጠረ ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካ ዮሃንስ ነሲቡ ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ክወሃብ ምውሳኑ ሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ፈደራል ዓቓብ ሕጊ ዝናቡ ተኑ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ እቲ ጥርጡር ብቕትለት ትውልደ ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ክልተ ውልቀሰባት’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ” ድሕሪ ምባል ናብ ኣሜሪካ ክርከብ ዝቐረበ ጠለብ ብክፍሊ ፍትሒን ገበንን ኣሜሪካ ዝቐረበ ምኳኑ ብምግላጽ በቲ ክፍሊ ዝቐረበ ጭብጢ ድሕሪ ምርኣይ ኣሕሊፉ ክወሃብ ከምዘለዎ ምውሳኑ ሓቢሮም።

እቲ ጥርጡር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከብ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ፈተወትን ስድራቤትን ጥርጡር ግን ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ከምዘይብለን ብምግላጽ ሕቶታት የልዕሉ ኣለው።

ጠበቓ ጥርጡር ስመኝህ ኪሮስ እቲ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ መስርሕ ብቤት ፍርዲ ክሓልፍ ከምዝግባእ ብምግላጽ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ድማ ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ከምዘየለ ይገልጽ።

ስድራቤት ብወገኖም ወዶም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይገልጹ።

ኣቦ ጥርጡር ኒሲቡ በዛብህ “ ዩሃንስ ኣብ ኣሜሪካ ናብ ፍርዲ እንተቐሪቡ ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃቦ ይክእል’ዩ። ብተወሳኺ ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ናብ ዘይብላ ሃገር ክወሃብ የብሉን። እዚ ናይ ሉኣላዊነት ጉዳይ እውን እዩ” ይብሉ።

ወሃቢ ቃል ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ብኣንጻሩ ቤት ጽሕፈቶም ገበነኛ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ መዝነትን ሓላፍነትን ከምዘለዎ ይገልጹ።

ብተወሳኺ ጥርጡር ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ምዃኑን መሰሉ ብሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ዝተሓለወ ምዃኑ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG