ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ እናጸንከረት ትመጽእ


ወኪል መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዝነበረ ቶም ጋርድነር
ወኪል መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዝነበረ ቶም ጋርድነር

ካብ ኢትዮጵያ ወረቐት ፍቓድ ስራሖም ዝተመንጠሉን ካብታ ሃገር ንኽወጹ ዝተሓበሩን ጋዜጠኛታት፡ ኣብታ ሃገር ምጕስቓልን በበይኑ መጥቃዕታትን ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ።

ካብቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንመርገጺ መንግስቲ ዝደገፈ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ክሳብ’ቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣንጻር ምምሕዳር ኣመሪካ ዝካየድ ተቓውሞ፡ ኣንጻር ሸፈነ መራኸቢታት ኣብ ጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ዝለዓል ኵርናዕ’ዩ።

እቲ ነቕፌታ ድማ መራኸቢታት ዓለም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐንዐን ዝንቡዕ ዜናታትን ምቕራቦም ዝኸስስ’ዩ።

ንህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰን ካልእ ምዕባለታትን ሸፈነ ንምሃብ ንኢትዮጵያ ዝመጽኡ ናይ ወጻኢ ሃገር ጋዜጠኛታት፡ ናጻ ፕረስ ኣብታ ሃገር በብእዋኑ እናገደደ ይመጽእ ምህላዉ ይሕብሩ።

ወኪል መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዝነበረ ቶም ጋርድነር ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፤“ብሕልፊ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውላዑ፡ እቲ ዝነበረ ኵነታት መሊሱ ገዲዱ’ዩ። ዝሓለፈ ዓመት ንትግራይ ካብ ምኻድ ተኸልኪለ’የ፡” ይብል ጋርድነር ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመትን ፈረቓን ወኪል ዘ-ኢኮኖሚስት ኰይኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰርሐ: ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ግን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ስራሑ ተመንጢሉ ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ተሓቢሩ።

ጋርድነር ንበብይኖም ምዕባለታት እታ ሃገር ጸብጺቡ’ዩ። ምስ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ቀውሲ ግን ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝቐንዐ መጥቃዕታት ምቕጻሉ’ውን ይሕብር። እቲ ጋዜጠኛ ከም ዝጠቕሶ፡ ብምኽንያት ስራሑ ምስ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ኣብ ጸገም ኣትዩ’ዩ።

ንኣብነት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021፡ ፖሊስ ጋርድነርን መሳርሕቱን ኣሲሮሞም። ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ብሰደፍ ብረት ንሱ ርእሱ ክህረም እንከሎ፡ ዓርኩ ድማ ብፖሊስ ተሃሪሙ ኣፉ ክደሚ ከም ዝረኣየ ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ናይ ስራሕ እዋናት፡ ጋርድነር ክልተ በበይኑ ኣገባባት መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ይጠቅስ። እቲ ቀዳማይን ዝውቱርን ዝብሎ ብመርበባት ዝግበር መጥቃዕታት ኰይኑ ነቲ ዘቕርቦ ጸብጻባት ክጥምዝዝ ዝፍትን’ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ በዓል-መዚ መራኸቢታት እታ ሃገር፡ ፍቓድ ስራሑ መንጢሉ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ምሕባር’ዩ።

ብወገን ሰብ-መዚ መራኸቢታት እታ ሃገር ዝቐረበ ክሲ ንጹር ዘይምንባሩ’ዩ እቲ ጋዜጠኛ ዝምጕት። “ኣብቲ ዝሃቡኒ ደብዳበ፡ ኣዝዩ ኣሻማዊን ዘይንጹርን’ዩ ነይሩ። ንጹር ዘይኰነ ጕድለት ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ከም ዝተራእየኒ፡ ሞያውነት ጋዜጠኝነት ከም ዘጕደልኩን ጠቒሶምለይ። ብልክዕ እንታይ ምንባሩ ግን ርዱእ ኣይነበረን።”

ወሃቢት-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢልለኔ ስዩም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብድምጺ ኣመሪካ ተሓቲታ ምላሽ ኣይሃበትን።

ካብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበሉ ነቕፌታ ግን፡ መንግስቲ ኣንጻር ዝንቡዕ ወረን ናይ ኣሸበርቲ ፕሮፓጋንዳን ይቃለስ ምህላዉ’ዩ ይሕብር።

ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መደረኦም ብዛዕባ ጋዜጠኛታት ኣመልኪቶም ተዛሪቦም ነይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር “ብስም ተሓለቕቲን ጋዜጠኝነትን ንሃገራዊ ትካላት ከውዕንዉ ንዝፍትኑ ዜጋታት ብስም’ቲ ሞያ ክንጽውዖም የብልናን፡” ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2021 ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ዝተኣዘዘ ወኪል ጋዜጣ ዘ ነው-ዮርክ ታይምስ (The New York Times) ሳይሞን ማርክስ ከም ዝጠቕሶ ድማ እቲ ማህረምቲን ምጕስቓልን ሞራል እቶም ጋዜጠኛታት ሃስዩ ልሙድ ስራሖም ንምግባር ከም ዘተዓንቕፎም ይጠቅስ።

ተሓለቕቲ ፕረስ እቲ ኵነታት ንናጻ ስራሕ ጋዜጠኛነት ዝዕቅንፍ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ዝግበር ምጕስቓል ከኣ ኣብቶም ሃገራውያን ጋዜጠኛታት ዝኸፍእ ስንባድ ዝፈጥር’ዩ ይብሉ።

ካብ ዓለምለኸ ተጣባቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (Committee to Protect Journalists) ዝዀነት ሙቶኪ ሙሞ ብወገና፤ “ዘቤታውያን ይዅኑ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ድሮ ኣብ ኢትዮጵያ እንተልዮም እዚ ምጕስቓል ሓደ ዓቢ መልእኽቲ’ዩ ዝገድፈሎም። እዚ ዝመስል ኣብ ካልእ እንተ ወሪዱ ንዓይ ክመጽኣኒ’ውን ርሑቕ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ’ዮም ዝሕዙ፡” ትብል።

እቲ ስግኣት ድሮ ዓቢ’ዩ። ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ወርሒ ሓምለ 2021ን ወርሒ ግንቦት 2022ን፡ 54 ምስ ምስ መራኸቢ-ብዙሃን ዝተኣሳሰር ስራሕ ዝሰርሑ ውልቀሰባት ከም ዝተኣስሩ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG