ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንካልኣይ ምርጫ ዳይሬክተር ውዱብ ጥዕና ዓለም ትቓወም: ቦርድ'ቲ ውድብ ግን ድጋፉ ይገልጽ


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ነቲ ንዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝነቅፍ መደረ ከቅርብ ዝፈተነ ልዑኽ ኢትዮጵያ ኣቋሪጹ: ተግባር’ቶም ዳይሬክተር ንክምርመር ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ጥርዓን ድማ ኣወንዚፍዎ።

እቲ ምስሕሓብ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ዝበጽሐ፣ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ተኣኪቡ፣ ንሕጸ ዳግማይ ምርጫ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝገምገመሉ እዋን እዩ።

ኣቦ መንበር ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ፓትሪክ ኣሞጽ "ዶ/ር ቴድሮስ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ይድግፉ’ለው" ዝብል ጥርዓን ኢትዮጵያ ከምዘወንዘፍዎ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ኣብ’ቲ 34 ኣባላት ዝሓቆፈ ቦርድ፣ ብዘይካ ኢትዮጵያ፣ ንግብረ መልሲ ኣቦ መንበር’ቲ ቦርድ ዝተቃወመ ኣይነበረን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዘነበ ከበደ ኮርቾ "ንዶ/ር ቴድሮስ ንምንቃፍ ቪድዮ ክጥቀሙ ፈቲኖም ክልተ ጊዜ ኣቋሪጾምዎም። ኣብ መወዳእትኡ ዓጽዮምዎም።"

ኣምባሳደር ዘነበ ቅድሚ መደረኦም ምቁራጹ "ዶ/ር ቴድሮስ፣ ስልጣኖም፣ ኣብ ክንዲ ረብሓ ኢትዮጵያ ንውልቀ ፖለቲካዊ ድልየቶም ይጥቀሙሉ ኣለው" ኢሎም ነይሮም።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንክኾኑ ደገፍ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ፣ ረድኤት ናብ ትግራይ ይኣቱ የለን ከምዝበሉ፣ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ "ዶ/ር ቴድሮስ መደናገሪ ሓበሬታ ይፍንው ኣለው" ኢሉ ከምዝተቃወሞም ዝዝከር እዩ።

ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንካልኣይ ጊዜዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኖም ንከገልግሉን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ዝመጽእ ግንቦት ንክውሰን ተሰማሚዑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG