ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራ ብዝምልከት መጽናዕትታታ ኣጻፊፋ ከም ዝወደአት ኣፍሊጣ።
ንሬድዮ ፋና ዝተዛረበት ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን በዓል-ስልጣን መጉዓዝያ ባሕሪ የሺ ፈቃደ፡ ኢትዮጵያ ንሎጂስቲክስን ዋጋታትን ዝምልከት ንዘሎ ኣማራጺታት ዳህሲሳ ከምዝወደአት ሓቢራ።
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ብምጥቃም ቁጠባዊ ርክባቶም ንምሕያል መደባቶም ከጻፍፉ ተሰማሚዖም ኔሮም`ዮም።
ንታሪፍ ብዝምልከት ብወገን ኤርትራ`ውን ይጽናዕ ከምዘሎን፡ ክልቲኡ መጽናዕትታት ብሓደ ተራእዩ ኣብ መደምደምታ ዝብጻሕ ምዃኑን ተጠቒሱ`ሎ።
ኣብ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ባሕሪ ሓላፊ ኣገልግሎት ጽዕነት ካፔቴን ተፈራ በዳሳ ብወገኑ፡ እቶም ወደባት ናይ ኤርትራ ከም ምዃኖም መጠን፡ ተወሰኽቲ ቀረባት ሎጂስቲክስ ብኤርትራ ክስርሑ`ዮም ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ንወደብ ባጽዕ ብቕዓቱ ንምርግጋጽ፡ መስርሕ ምጽጋን ወደብን ጽርግያታትን ኣብ ምጅማር ከምዝርከብ እታ ሓላፊት ኮሚኒኬሽን መጉዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወሲኻ ሓቢራ`ላ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ንናይ 20 ዓመት ናይ ምትፍናን ምዕራፍ ዓጺየን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ድሕሪ ምስምምዐን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት መስመራት መንገዲ ኣየር፡ ተሌፎንን መጉዓዝያ-መሬትን ተኸፊቱ ስርሑ ቀጺሉ ይርከብ።