ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራ ብዝምልከት መጽናዕትታታ ኣጻፊፋ ከም ዝወደአት ኣፍሊጣ


ወደብ ባጽዕ
ወደብ ባጽዕ

ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደባት ኤርትራ ብዝምልከት መጽናዕትታታ ኣጻፊፋ ከም ዝወደአት ኣፍሊጣ።

ንሬድዮ ፋና ዝተዛረበት ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን በዓል-ስልጣን መጉዓዝያ ባሕሪ የሺ ፈቃደ፡ ኢትዮጵያ ንሎጂስቲክስን ዋጋታትን ዝምልከት ንዘሎ ኣማራጺታት ዳህሲሳ ከምዝወደአት ሓቢራ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ብምጥቃም ቁጠባዊ ርክባቶም ንምሕያል መደባቶም ከጻፍፉ ተሰማሚዖም ኔሮም`ዮም።

ንታሪፍ ብዝምልከት ብወገን ኤርትራ`ውን ይጽናዕ ከምዘሎን፡ ክልቲኡ መጽናዕትታት ብሓደ ተራእዩ ኣብ መደምደምታ ዝብጻሕ ምዃኑን ተጠቒሱ`ሎ።

ኣብ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ባሕሪ ሓላፊ ኣገልግሎት ጽዕነት ካፔቴን ተፈራ በዳሳ ብወገኑ፡ እቶም ወደባት ናይ ኤርትራ ከም ምዃኖም መጠን፡ ተወሰኽቲ ቀረባት ሎጂስቲክስ ብኤርትራ ክስርሑ`ዮም ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ንወደብ ባጽዕ ብቕዓቱ ንምርግጋጽ፡ መስርሕ ምጽጋን ወደብን ጽርግያታትን ኣብ ምጅማር ከምዝርከብ እታ ሓላፊት ኮሚኒኬሽን መጉዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ወሲኻ ሓቢራ`ላ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ንናይ 20 ዓመት ናይ ምትፍናን ምዕራፍ ዓጺየን ምሕዝነተን ናብ ንቡር ክመልሳ ድሕሪ ምስምምዐን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት መስመራት መንገዲ ኣየር፡ ተሌፎንን መጉዓዝያ-መሬትን ተኸፊቱ ስርሑ ቀጺሉ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG