ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንኣየርላንድ “ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ” ሂባ


ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ረድዋን ሑሴን- ፋይል
ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ረድዋን ሑሴን- ፋይል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተጻባኢ መርገጽ ተሰጉም ኣላ ንዝበላ ኣየርላንድ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ረድዋን ሑሴን ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣየርላንድ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንምስሊ ኢትዮጵያ ከትድውን ጸኒሓ`ላ ኢሉ።

ኣየርላንድ ኣብዚ እዋን`ዚ ግዝያዊት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነቲ ቁጥዐ ኢትዮጵያ ዝወልዖ እንታይ ምዃኑ ዝርዝር መብርሂ የለን። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣየርላንድ`ውን ምላሽ ኣይተረኽበን ይብል።

ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር`ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣየርላንድ ኣርባዕተ ዲፕሎማት ኣባሪሩ`ዩ። እቲ ምብራር ዝተገብረ፡ ኣየርላንድ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ኢሉ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ወገናት ልዝብ ክግበር ድሕሪ ምጽውዓ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን`ዩ።

መንግስታዊ ሚድያ ፋና ብሮድካስቲንግ ብወገኑ ኣየርላንድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዘለዋ ኲናት ንከብቅዕ ትወስዶ ንዘላ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምድጋፍ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ ኣባልነት ተጠቒማ ንኢትዮጵያ ምጥቃዓ ቀጺላ`ላ ይብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ምሕዝነት ንምሕያል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ`ውን ኣየርላንድ ዕንቅፋት ትፈጥረለይ ኣላ ይብል ።

ምሕዝነት ኣዲስ ኣበባን ብራስልስን፡ ብጉዳይ`ቲ ብዙሓት ዘህለቐን ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ እናሓርፈፈ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG