ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ንኣዋርሕ ኣብ ቐይዲ ዝጸንሑ 2 ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም 17 ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ክልተ ጋዜጠኛታት መሓውራት ዜና ኦሮምያን ካልኦት 17 ሰባትን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኔሮም። ንሳቶም ንመንግስቲ ብሓይሊ ክትዓልዉ ፈቲንኩም ዝብል ክሲ`ዩ ተመስሪትዎም ዘሎ።

ብመሰረት ጠበቓ ተኸሰስቲ፡ ዳኛ ንዓቃቢ ሕጊ ነቲ ክሲ ከመሓይሽ ሓደ ሰሙን ሂብዎ`ሎ።

እቲ ክሲ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ`ዩ ክብል`ውን እቲ ጠበቓኦም ይማጎት። እቶም ተኸሰስቲ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ'ዮም።

XS
SM
MD
LG