ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ንኢትዮ ቴሌኮም ብከፊል ናብ ናይ ብሕቲ ዋንነት ምትሕልላፍ ኣናዊሓቶ


ዓንዲ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ
ዓንዲ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ ቴሌኮም ብከፊል ናብ ናይ ብሕቲ ዋንነት ንምትሕልላፍ ዝተታሕዘ መደብ ከምዝተናውሓ ኣፍሊጡ።እቲ ምንዋሕ ጥቡቕ ቁፅፅር ዝገበረሉ ቁጠባ እታ ሃገር ንምኽፋት መንግስቲ ሒዙዎ ዝነበረ ትልሚ'ውን ዘደናጉይ'ዩ።

እቲ ሚንስትሪ ብትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዓለምን ኣብ ማክሮ-ኢኮኖሚ ይረአ ዘሎ ቕልጡፍ ምዕባለታትን ለውጥትታትን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ መግለፂ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መስርሕ ምትሕልላፍ ናብ ብሕቲ ዋንነት ንምዝዛም ዘይልወጥ መርገፂ ኣለዎ ኣብ ከይዲ ናብ ብሕቲ ንምዛር ብትኹረት ክሰርሕ እዩ’’ይብል ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ 44 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ዘለዎ ኢትዮ ቴሌኮም ንብሕቲ ዋንነት ክፉት ብምግባር ዝበለፀ ተወዳዳራይን ውጽኢታውን ክኸውን ተስፋ ይገብር።

ኣብ ሰነ 40 ምእታዊት እቲ ትካል ናይ ምሻጥ መስርሕ ጀሚሩ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ንግዱሳትን ከዘራርብን ውጥናት ክርእይ ጀሚሩ።መንግስቲ ምስ ገለ ተጫረቲ ምዝርራቡ'ውን መግለጺ ሚንስትሪ ፋይናንስ'ታ ሃገር ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ድማ ብናይ ናይ ኬንያ ሳፋሪኮም ንዝመራሕ ጥምረት ሓደ ፍቓድ ብ850 ሚሊዮን ዶላር ተዋሂቡ።

XS
SM
MD
LG