ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ማዕጾ ትኸፍት


ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ይናገር ደሴ
ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ይናገር ደሴ

ፋይናንሳዊ መዳይ ኢትዮጵያ ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ይኸፍት ከም ዘሎ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ይናገር ደሴ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።

ን20 ዓመታት ባንክታት ኢትዮጵያ ንወፃኢ ዕፁው ምንባሩ ዘመልከቱ ዶ/ር ይናገር፡ እዚ ተገይሩ ዘሎ ተበግሶ ንናይ ውሽጢ ሃገር ባንክታት የዕብዩ፡ ናይ ወጻኢ ወፍሪ’ውን ከም ዝዕድም ገሊጾም። ምኽፋት ባንክታት ንናይ ወፃኢ ኣውፈርቲ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ከም ዘይጫረት’ውን ጠቒሶም።

እንተዀነ እቶም ኣመሓዳሪ ባንክ፡ ነቲ ወፂኡ ዘሎ ትልሚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ናይ ደገ ኣውፈርቲ ባንክታት ዝኽልክል ዝነበረ ኣዋጅ ንግዲ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ከም ዘድልዮ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡፡

XS
SM
MD
LG