ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ 90 ሰራሕተኛታት ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾ ናብ ሃገር ክምለሱ ጸዊዓ


ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ንነዊሕ ዓመታት ከገልግሉ ዝፀንሑ ሰራሕተኛታቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘፀውዓ ወሃቢ ቃል ሚንሰትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ መለስ ኣለም ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝተፀውዑ ዲፕሎማት ዘይኮኑስ ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ምሃብ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ልዕሊ 90 ዜጋታት እዮም ኢሎም።

እዚ ስጉምቲ ሕዚ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ይካየድ ምስ ዘሎ ናይ ምምሕያሽ ብዝተኣሳሰርን ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ተቐባልነት ዝረኸበን ስራሕ ንምጅማር ምንቅስቓስ ይግበር ናይ ዘሎ ኣካል ከምዝኾነን እውን ገሊፆም።

“ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘፈር ኣገልግሎት ኣብ ተልእኾታት ክሰርሑ ዝፀንሑ ልዕሊ 90 ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ሃገር ክምለሱ ፀዊዑ’ሎ።…እዞም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ሪፖርት ክገብሩ ዝተፀውዑ ኣብ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ዝሰርሑ እዮም።”

ኣቶ መለስ ኣለም ንዝተፀውዕሉ ምኽንያት ክገልፁ ከለው እታ ሃገር ምስ እትርከበሉ ውሽጣውን ደጋውን ኩነታት ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ ወፃኢ ርክብን ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕን ንምፍፃም እቲ ሓደ ምኽንያት እዩ ኢሎም።ስሙር ፍሰት ሓበሬታን ዝተዋደደ ስራሕ ብምስራሕ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ እውን ካልእ ምኽንያት እዩ ኢሎም።ነዚ ዝምጥን ናይ መሓውር ምምሕያሽን ናይ ዲፕሎማቲክ ዳግማይ ምደባን ከምዝፀደቐ’ውን ሓቢሮም።

“ስለዚ ብሓፈሻ ኣዚዩ ቕልጡፍ ብዝኾነ ኣገባብ እናተለዋወጠ ይኸይድ ዘሎ ዞባውን ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ኩነታት ተኣሳሲሩ ናይ ሃገርና ናይ ወፃኢ ርክብን ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕን እናወሰኸ ምስ ምምፅኡ ሓላፍነትና ብዝግባእ ንምውፃእ ናይ መሓውር ምምሕያሽ የድሊ እዩ።በዚ ኣቢሉ እውን ስራሕን ሰራሕተኛን ናይ ምርኻብ ስራሕ እዩ ዝካየድ ዘሎ።”

እዞም ተፀዊዖም ዘለው ብመሰረት ዝፀንሕሉ እዋን ምዃኑ ዝገለፁ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ክሳብ ሎሚ ስለምንታይ ኣይተሰርሐን ንዝብል ሕቶ ኣብቲ ናይ መሓውር ምምሕያሽ ዝተርኣየ ጉድለት እዩ ኢሎም።ነዚኦም ዝትክኡ ሰራሕተኛታት ተዳሊዮም ስለዘለው ንሳቶም ክመፁ ከለው ካልኦት ክዋፈሩ እዮም ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG