ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንምቍራጽ ድምጺ መርማሪት ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ዝገበረቶ ፈተነ ኣይተዓወተን


ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ንምጽራዩ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኢትዮጵያ ንባጀት እታ ኮሚተ ንምዕንቃፍ ዝገበረቶ ፈተነ ትማሊ ሓሙስ ውዱቕ ኰይኑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ኣብቲ ትማሊ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ድምጺ ምርጫ 27 ሃገራት ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ ክድግፋ እንከለዋ፡ 66 ብምቅዋም፡ 39 ሃገራት ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ብምግባረን እቲ ናይ ባጀት ውሳነ ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝግበር ምጽራይ ከም ዘይትተሓባበር ደጋጊማ ክትሕብር ዝጸንሐት ኰይና፡ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ምርጫ ድምጺ ባጀት’ውን ብመገዲ ዲፕሎማታ ለምለም ፍስሃ ምናለ ኣቢላ እቲ ሓሳብ ፖለቲካዊ መንቀል ዘለዎ’ዩ ክትብል ንምምስራት እታ ኣጻራዪት ኣካል ደጊማ ተቓዊማ።

ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ቦታታት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ጥሕሰት ግድን ክጻረ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል ነቲ ኣካል ዝኸውን ባጀት ምጽዳቕ ድማ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG