ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ኦሮቶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ዘይምርርዳእን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ምትፍናን ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ መስደዲ መልእኽቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይቡክ፡ ቲክቶክን ቴለግራም ከም ዝተዓጽወ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ንምዕጻው ኢንተርነት ዝከታተል “ኔትብሎክስ” (NETBLOCKS) ዝተባህለ ትካል ከም ዘመልከቶ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመስደዲ መልእኽታት እዞም ዝተጠቕሱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝዓጸዎ፡ ነቲ ንሰንበት ተመዲቡ ዘሎ ሰፋሕቲ ሰለማዊ ስልፍታት ንምትዕንቕፋ’ዩ።
ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝቐርበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።
ካብ ዝሓለፈ ቀዳም 4 ጥሪ 2023 ኣትሒዙ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ ድሮ 30 ሰባት ሞይቶም ምህላዎም፡ ንምንጪታት ቤት ክህነት ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ በበይኑ እዋናት፡ ዘይምርግጋእ ምስ ዝህልው፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክዓጹ ምጽናሑ ይዝከር።