ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንህዝቢ ሱዳንን ረብሓታቱን መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ንምንዳይ ከምትሰርሕ ሚ/ወ/ጉ/ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው

ኢትዮጵያ ንቅልውላው ፖለቲካ ሱዳን ናብ ዝኾነ ወገን ከይወገነት ድልየት ህዝቢ ሱዳንን ረብሓታቱን መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ንምንዳይን ሓገዝ ከምትህብን ክብል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሱዳን ጉባኤ ከምዘካየድ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ነብያት ጌታቸው ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኢትዮጵያ ንሰላም ህዝቢ ሱዳን ብዝምልከት ተኻይዶ ጻዕርታት ክትቕጽል’ያ ኢሎም።

እቲ መግለጺ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብዘጋጠመ ቅልውላው ፖለቲካ ሱዳናዊያን ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኢትዮጵያ ክትጽውዕ ምጽናሓን ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG