ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ናይ ጸሓይ ጸዓት ንምፍራይ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኩባንያ ማስዳር ስምምዕ ፈሪማ


ኢትዮጵያ 500 ሜጋዋት ናይ ጸሓይ ጸዓት ፕሮጀክት ንምምዕባል ምስ ናይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ኩባንያ ማስዳር ስምምዕ ፈሪማ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጦም።

እዚ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ናይ ጸዓት ዓቕማ ከተስፍሕን ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ፀዓት ክትጠቅምን ዘኽእላ ቀንዲ ተበግሶ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብጠቕላላ ኣስታት 4,898 ሜጋዋት ሓይሊ ምጥቓም ዘኽእላ ሓይሊ ኣለዋ።ካብዚ እቲ 91% ካብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ዝምንጭው እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ክልተ ናይ ፀሓይ ተቐበልቲ ማእኸላት Photovolatic ንምምዕባል ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማስዳርን ሓባራዊ ስምምዕ ምፍርራምና ምርኣይ ታሕጓስ ይስምዓኒ’’ ኢሎም።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብምውሳኽ ክልቲኦም ማእኸላት 500 ሜጋዋት ፀዓት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ኣለዎ ኢሎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩምን ሓላፊ መንግስታዊ ኢንቨስትመንትን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ከምዘይሰለጦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ገሊፁ።ማስዳር እውን ንሮይተርስ መልሲ ኣይሃበን።

XS
SM
MD
LG