ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ መሕለፊ መስመር ንምዝርጋሕ ምስ ጅቡቲ ተሰማሚዓ


ኢትዮጵያ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ ንዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዘኽእላ 767 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ናይ ተፈጥሮ ጋዝ መሕለፊ መስመር ንምዝርጋሕ ምስ ጅቡቲ ተሰማሚዓ።

ነቲ ስምምዕ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትር ማዕድንን ነዳዲን ዶ/ር ሳሙኤል ሁርካቶን ናይ ጅቡቲ ናይ ኢነርጂን ሃብቲን ተፈጥሮን ሚንስትር ዮኒስ ጉልዲን ፈሪሞምሉ።

ዶ/ር ሳሙኤል እቲ ስምምዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ረብሓ ዘኽብር ሰፊሕ ልዝብ ዝተኻየደሉ እዩ ኢሎም ኣለው።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ምዝርጋሕ መስመር ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ በጀት ዓመት ዝጅመር ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም እዩ ይብል ፀብፃብ ፋና ብሮድካስቲንግ።

ኣብዚኣ'ሞ

ድሕሪ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ዘይምትግባሩን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ዘይምምላሱን እቲ ምኽንያት እንታይ`ዩ?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG