ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ነዳዲ ብዝተናውሐ ክፍሊት ክወሃባ ንስዑድ ዓረብ ሓቲታ


መጻረይ ነዳዲ

ኢትዮጵያ፡ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሓደ ዓመት ቀረብ ነዳዲ ክትህባን ክፍሊት’ዚ ቀረብ ነዳዲ ድማ ንተወሳኺ 12 ወርሒ ክናዋሕ ምሕታታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍጹም አረጋ ትማሊ ረቡዕ ንኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዋሕዲ ባጤራ ወጻኢን ዘይብቑዕ ትሕተ ቅርጺ መጉዓዝያ ኣስታት 1.6 ሚልዮን ቶን ዝምዘን ኣቑሑት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ክጸንሕ ኣገዲዱ’ዩ ኢሎም።

“ ነዳዲ ንምእታው ኣብ ልዝብ ኣለና” ዝበሉ ኣቶ ፍጹም አረጋ “ ዝርዝር’ቲ መደብ ክስርሓሉ ዝግባእ’ዩ። እንተኾነ ብስሩዕ ዝተመደበ ውጥን ግን ኣቑሑት ንምእታውንን ተወሳኺ ባጤራ ወጻኢ ኣብ ምዕቓብን ኣበርኽቶ ክገብር ተኽእሎ ኣለዎ” ኢሎም።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG