ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኢትዮጵያ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ተምርሕ ኣላ'ህወሓት


ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምስረታ በዓል 11 ለካቲት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ተምርሕ ኣላ" ኢሉ።

ህወሓት ዘቕርቦ ክስታት ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግናን ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ቁጠባዊን ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጥታት ከምዝተራእየ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም`ዮም።

ብኻልእ ወገን ህወሓት ብምኽንያት ለካቲት 11፡ ኣቶ ስየ ኣብርሃን ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋን ዝርከብዎም ነባር መሪሕነት እቲ ውድብ ዝነበሩ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ሂቡ`ሎ::

ብኻልእ ወገን ፡ ኢትዮጵያ ክትበታተን እያ ዝብል ሓሳብ፡ ንታሪኻ ካብ ዘይምፍላጥ ዝምንጩ`ዩ ክብሉ ክልተ ነባራት ተጋደልቲ ሕወሓት ዝነበሩ ንቪኦኤ ገሊጾም። ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝነበረ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ ኢትዮጵያ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ዕድመ ዘለዋን ናይ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣህዛብን ሃገር፡ እዞም ውሑዳት ጉጅለ ከምኡ ስለዝበሉ ኣይትበታተንን`ያ ኢሎም።

ካብ መስረቲ ህወሓት ሓደ ኣቶ ግደይ ዘርኣጽዮን ብወገኖም፡ ህዝቢ ሕወሓት ዘበላሽውዎ`ዩ ዘስተኻኽል ዘሎ ይብሉ።

“ህዝቢ በብደርጅኡ በብመድረኹ እናተመያየጠ ንሳቶም ዘበላሸውዎ ንምስትኽኻል`ዩ ዝጉዓዝ ዘሎ። እዚ ጉዕዞ`ዚ ድማ ንዕኦም ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ስለድፍኦም፡ ዳግም ተመሊሶም ነቲ ዝሓለፈ ንምምጻእ ዝገብርዎ ጻዕሪ`ዩ። ሕጊ ተጣሒሱ፡ ሕገመንግስቲ ተጣሒሱ ይብሉና። ነገር ግን ሕገመንግስቲ ብምጥሓስ ዝፍለጡ ንሳቶም`ዮም።”

ዶ/ር ኣረጋዊ ብወገኑ፡ ስለዚ እዚ ኢትዮጵያ ክትበታተን`ያ ዝብል ናይ ህወሓት ዝተበላሸወ ኣተሓሳስባ ብኣና ወገን ውዱቝዩ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

'ኢትዮጵያ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ተምርሕ ኣላ'ህወሓት
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:17 0:00



XS
SM
MD
LG