ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ነቲ ዝፀነሐ ፖሊሲ ትምህርቲ ትቕይር ኣላ


ፋይል
ፋይል

ኢትዮጵያ ነቲ ን28 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝፀነሐ ፖሊሲ ትምህርቲ ንምቕያር ሓድሽ ፖሊሲ ኣዳልያ ንምትግባሩ ኣብ ምድላው ከም እትርከብ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጦም። ናይቲ ፖሊሲ ረቂቕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ ዘተ ተገይርሉ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ፡ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ክፈጥሮ ብዛዕባ ዝኽእል ለውጢ ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

እቲ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ነቲ ኣብ 10ይ ክፍሊ ዝውዳእ ዝነበረ ትምህርቲ ክሳብ 12 ክፍሊ ክኸውንን ተማሃሮ ብውሑዱ ብሰለስተ ቋንቋታት ንኽመሃሩ ከምዝግበር እውን ይሕብር። ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ትምህርቲ ብነፃ ከምዝወሃብን፡ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ምምሃር ድማ ግዴታ ከምዝኾነን ይገልፅ።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ተወዳደርቲ ንክኾና ርእሰን ከመሓድራ ከምዝፍቀደለን እቲ ሓድሽ ፖሊሲ የመልክት። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ፖሊሲ፣ ንተመረቕቲ ዩኒቨርሲቲታት ናይ መውፅኢ ፈተና ክወሃቦም እዩ።እቲ ናይ ፖሊሲ ሰነድ ኩሎም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ብውሕዱ 20% ጊዜኦም ኣብ ኢንዱስትሪታት ከሕልፉ ከምዝግበር እውን ተሓቢሩ ኣሎ። ኢንዱስትሪታት ድማ ንስልጠናታት ቴክኒክን ሞያን ብገንዘብ ዝሕግዛሉ ኣሰራርሓ ክህሉ እዩ ይብል ።

እቶም ምሁራን ኣብቲ ረቂቕ ፖሊሲ ንዝተዓዘቡዎም ብልጫታትን ክፍተታትን ኣልዒሎም ዘትዮም። ዩኒቨርስታት ብርእሰን ክመሓደራ ዝህበን ናጽነት ከም ዓቢ ብልጫ ክገልጹ እንከለዉ፡ እቲ ሰነድ ምሉእነት ብዘለዎ ሓበሬታ ዝተደገፈ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ድማ ሂቦም። ፖሊሲ ምውፃእ በይኑ ለውጢ ኣየምፅእን ዝበሉ እቶም ምሁራት፡ ብፍላይ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ፍልጠት፡ ዓቕምን፡ ናብራን መማህራን ተኣሳሲሩ ዝረአ ፀገም ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ እቲ ፖሊሲ ክዕወትን ኣይኽእልን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG