ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ነቲ ብዱባይ ተታሒዙ ዝነበረ ቀዳምነት ካብን ናብን ኣፍሪቃ ዝግበር በረራ ትወስድ


ቦሌ ዓለምለከ መዓርፎ ነፈርቲ - አዲስ አበባ
ቦሌ ዓለምለከ መዓርፎ ነፈርቲ - አዲስ አበባ

ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝጉዓዙ ተጠቀምቲ ቀዳምነታ መጉዓዝያ ኣየር ካብ ዱባይ ወሲዳ።

ፎርዋርድኪስ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ጉዕዞ ኣማኻሪ ትማሊ ረቡዕ ከምዝገለፆ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ መሕለፊ ዓለምለኸ ተሳፈርቲ ምዃኑ ዓብዩ’ሎ።ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ 2018 ካብ ዓለም ፅዑቕ መዕረፎ ነፈርቲ ሓደ ንዝኾነ ዱባይ ከምዝበለፆ ወሲኹ ይገልፅ።

ኣብ መዓልቲ 17 ሚሊዮን ተጓዓዝቲ ዝተጠቕምሉ ስርዓት ትራንዚት መጎዓዚያ ኣየር ዝገምገመ ፎርዋርድኪስ፡ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ከም መሕለፊ ዝጥቀሙ ቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣብዘሎ እዋን ብ85 ሚእታዊት ወሲኹ’ሎ።ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ግን 31 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ወሲኹ።

ዛጊት ናይ 2018 ናይ ኣዲስ ኣበባ ብ18 ሚእታዊት ክውስኽ ከሎም ናይ ዱባይ ግን ብ3 ሚእታዊት ጥራሕ ዓብዩ’ሎ።

ኣዚዩ ዕዉት ኩባንያ መንግስቲ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2010 ዝፈንዎ ናይ 15 ዓመታት ስትራተጂ ብቱርኪን ኤሜረትን ዝዕብለል ዝነበረ ዕዳጋ መሪሕነት ክወስድ ኣኽኢሉዎ’ሎ።

XS
SM
MD
LG