ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ነባር ስነ-ጥበባዊ ሰሎሞን ኣለሙ ዓሪፉ


ስነ-ጥበባዊ ሰሎሞን ኣለሙ
ስነ-ጥበባዊ ሰሎሞን ኣለሙ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ናይ ሬድዮን ቴሌቪዥን ድራማታት ብደራስነትን ኣዳላውነትን ዝፍለጥ ነባር ስነ-ጥበባዊ ሰሎሞን ኣለሙ ሎሚ ምዕራፉ መሳርሕቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ኣቦ ሓደ ቆልዓ ዝነበረ ሰለሞን ኣለሙ ብናይ ሃንደበት ሕማም ኣብ መበል 62 ዓመቱ ብሞት ተፈልዩ`ሎ።

ሰለሞን ኣለሙ “ኣብዬ ዘርጋው": "ከዳንኬራው ጀርባ"፡ "ሰው ለሰው" ብዝብላን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድራማታትን ዘፍረየ ህቡብ ስነ-ጥበበኛ ኔሩ።

ጽባሕ ድማ ንዝኽሩ ኣብ ብሄራዊ ትያትር መደብ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG