ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ትማሊ ሰንበት ክታበት ቫይረስ ኮሮና ምሃብ ጀሚራ


ኢትዮጵያ: ትማሊ ሰንበት ክታበት ቫይረስ ኮሮና ምሃብ ጀሚራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:04 0:00

ኢትዮጵያ: ትማሊ ሰንበት ክታበት ቫይረስ ኮሮና ምሃብ ጀሚራ

ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19 ብደረጃ ሃገር ትማሊ ሰንበት ተጀሚሩ። ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ነቲ ሃገራዊ ክታበት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ተረኺባ`ያ ኣጀሚራቶ። ኣብ ምልእቲ ሃገር ዝርከቡ ንኮሮና ቫይረስ ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታትን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ከምኡ'ውን ካልእ ዝጸንሓ ሕማም ዘለዎም ውልቀሰባት ብቐዳምነት ክታበት ከምዝረኽቡ ሚኒስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ ኣብቲ እዋን ሓቢራ`ላ።

ንሳ ኣተሓሒዛ ቀረብ`ቲ ክታበት ብደረጃ ዓለም ውሱን ስለዝኾንነ ንኹሉ ሕብረተሰብ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ስለዝኾነን፡እቲ ሕብረተሰብ ክታበት መጺኡ ኢሉ፡ ብዘይምዝናይ፡ ኣገባባት ምክልኻል`ቲ ቫይረስ ብዝግባእ ተግባራዊ ምግባሩ ክቕጽል መጸዋዕታ ኣሕሊፋ`ላ።

ምስታ ሚንስተር ጥዕና ብምዃን ነቲ ክታበት ብምውሳድ ነቲ ወፍሪ ክታበት ዘጀመረ ግዚያዊ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዝገበሮ መደረ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ንዘሎ ጸገማት ኣብ ምምካት ኣብ ዘለናሉ እዋን፡ ቫይረስ ኮሮና ተወሳኺ ጉድኣት ንኸየውርድ፡ እቲ ወፍሪ ክታበት ምጅማሩ፡ወሳኒ እጃም ኣለዎ ምባሉ- ኣብ ፈይስቡክ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ዜና ኣመልኪቱ`ሎ። ዶ/ር ሙሉ፡ እቲ ህዝቢ ኣገባብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክጥቀም`ውን ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ፡ክሳብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡74 ሺሕን 54ን እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ፡142 ሽሕን 21 ዝሓወዩ:2,540 ድማ ብሰንኪ`ቲ ቫይረስ ህይወቶም ምስኣኖም ተመዝጊቡ ሎ::

XS
SM
MD
LG