No media source currently available
ኢትዮጵያ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እሱራት ፖለቲካ ዓመጽ ዝተሓወሶ ምርመራ፡ ንሰሙናት ኣብ ናይ ጸልማት ክፍሊ ምዕጻውን ካልእ ዓይነት ስቅያትን ዝፍጸመሎም ዝነበሩ ክፍልታት ብ’ማእከላዊ’ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ንህዝቢ ክፉት ጌራ። እቲ ምብጻሕ ንኣርባዕተ መዓልታት ክፉት ኮይኑ ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ’ሎ።