አዲስ አበባ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ዘይ-ሕጋዊ ንግድን ኮንትሮባንድን፡ ንሃገራዊ ቁጠባ`ታ ሃገር ዓቢይ ሃስያ የውርደሉ ከምዘሎ፡ በዓል- ስልጣን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራሕ፡ ከም ወርቂ፡ ብረት፡ ሺጋራ፡ ሓሺሽን ካልኦትን ዝበሉ፡ ልዕሊ 130 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ከምዝተታሕዘ`ውን ሓቢሩ`ሎ።
ነዚ ሓበሬታ`ዚ ዝሃበ፡ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ጉምሩክ ኡሚ ኣባ ጃበል ሎሚ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ`ዩ።