ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ:ብሰንኪ ግጭትን ዂናትን ዝዓነው ትካላት ጥዕና ዳግማይ ህንጸት ምጅማሮም ሚ/ጥዕና ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ናይ ሰሜናዊ ክፋል'ታ ሃገር ዘሎ ኹናትን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈጥረ ጎንጽታት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና መሊስካ ናይ ምህናጽ ስራሕ ብኸፊል ምጅማሩ ሚንስትሪ ሚኒስተር ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብሰንኪ እቲ ኹናት ካብ ዝዓነዉ ሆስፒታላት እቶም 36 ስራሕ ከም ዝጀመሩ'ውን ተፈሊ ጡ'ሎ።

ምክትል ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር አየለ ተሾመ ኣብ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 3-ሽሕ ትካላት ጥዕና ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዳህሳስ መጽናዕቲ አርእዩ እሎ ኢሎም። ካብቶም ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና 87% ሕጂ ስራሕ ጀሚሮም'ለዉ ክብሉ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG