ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ቤት ፍርዲ ጋዜጠኛ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣሚር ኣማን ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ


ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪያሮ
ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪያሮ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዘይክሲ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪያሮ፣ ብዋሕስ ንክፍታሕ ቤት ፍርዲ’ታ ሃገር በይኑ።

ጋዜጠኛ አሶሴትድ ፕረስ ኣሚር አማን፣ ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝሓለፈ ሕዳር ከምዝተኣሰረ ዝዝከር እዩ።

ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ እቲ ጋዜጠኛ ዝተኣሰረ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ናይ ዝበሎ ኣካል መራሒ ቃለ ምልልስ ስለዝገበረ እዩ ከምዝብል’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ንናይ ውሽጢ ሃገር ሚድያ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ቶማስ እንግዳ’ውን ምስ ኣሚር ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ተኣሲሩ፣ ተመሳሳሊ ክሲ ከምዝቀረቦ ዝረኸብናዮ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ብኣዋጅ ህጹጽ እዋን ገበነኛታት እንተተባሂሎም ካብ 7 ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክብየኖም ከምዝኽእል ፖሊስ ተስፋዬ ኦላኒ ምግላጾም መሓውራት ዜና’ታ ሃገር ሓቢሮም ኣለው።

ኤዲተር ኣሶሴትድ ፕረስ ጁሊይ ፔስ ‘ኣሚር ስለዝተፈትሐ ተሓጒስና ኣለና’ ከምዝበለት’ውን ዝረኸብናዮ ዜና ይጠቅስ።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣዳም ሺፍን ሜርይ ጋይ ሳንሎንን፣ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ንክፍታሕ ምስ ተሓለቅቲ ጋዜጠኛታት ሓቢሮም መጸዋዕታ ከምዘቅረቡ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG