ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ቤት ምኽሪ ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ዝጸውዖ ፍሉይ ኣኼባ ብትሪ ከምትቓወሞ ገሊጻ


ምክትል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ከበደ ደሲሳ
ምክትል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ከበደ ደሲሳ

ኢትዮጵያ: ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝፀውዖ ፍሉይ ኣኼባ ኣባላት'ቲ ቤት ምኽሪ ክነጽግኦንን ገለልተኝነት ናይቲ ቤት ምኽሪ ከረጋግፁ ፀዊዓ።

እዚ ብተበግሶ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት የተሓሳስበና እዩ ብዝብል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝፀውዖ ፍሉይ ኣኼባ ኢትዮጵያ ብትሪ ከም እትቃወሞ ምክትል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ከበደ ደሲሳ ገሊፆም።

ኣቶ ከበደ እቲ ቤት ምኽሪ ዝቕፅል ዓርቢ ዝፀውዖ እዚ ፍሉይ ኣኼባ ዕላምኡ ዝተወሰነ ኣጀንዳ ንምዕዋት እዩ ኢሎም ።ንሶም ወሲኾም ነቲ ኣኼባ ዝፀውዕኦ ዝተወሰና ሃገራት እየን: ካልኦት ሃገራት ነቲ ኣድልዎ ዝተመልኦ ዝበሉዎ ኣሰራርሓ ክቃወምኦ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ምክትል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብኢትዮጵያዊያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ዝተጀመረ ናይ ይ ኣክል ወይ NOMORE ወፍሪ ናብ ልዕል ዝበለ ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ፖለቲካ ተሰጋጊሩ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG