ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ባይቶ ክልል ደቡብ ምስ ናይ ሲዳማ ክልል ናይ ስልጣን ርክክብ አካይዱ


ኣብ ኢትዮጵያ ባይቶ ክልል ደቡብ፥ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝገበሮ ካልኣይ ህጹጽ ጉባኤ፥ ንናይ ሲዳማ ክልል ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ጌሩ።

ህዝቢ ሲዳማ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብዝገበሮ ህዝበ ውሳነ፡ ሲዳማ መበል 10ይ ክልል ኢትዮጵያ ዝገብራ ምሉእ ስልጣን ምርካባ ተገሊጹ`ሎ።

ነቲ ስልጣን ካብ ኣፈ-ጉባኤ ደቡብ ወ/ሮ ሀለን ደበበ ዝተቐበለ፥ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዞባ ሲዳማ ኣቶ ሰሎሞን ላሌ፥ ብሽም ህዝቢ ሲዳማ ደስትኡን ምስጋንኡን ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG