ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ብብዝሒ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ንለበዳ ኮቪድ 19 ዝህቦ ትኹረት ምዝንጋዕ ዝራኣየሉ ስለዝኾነ ጥንቃቀ ምግባር ንክቅጽል ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ ኣለው።

ካብ ሆስፒታል ጉደር ዝኾኑ ዶ/ር ናሆም ተሾመ፣ ኣብ’ቲ ንሶም ዝሰርሕሉ ስፍራ በዝሒ ሕሙማት ኮቪድ 19 ከምዝወሰኸ ገሊጾም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ልያ ከበደ ብወገነን፣ ትግባረ መምርሒ ምክልኻል ኮቪድ 19 ንምርግጋጽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ጠቂሰን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 9,329 ሰባት ብኮቪድ 19 ምትሓዞምን፣ ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ መበል ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምዘላ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG