ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ሽም ዝርዝር ዝተቐትሉን ዝተማረኹን ዝተባህሉ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ወግዓዊ ኮይኑ


ኣብ ኢትዮጵያ ሽም ዝርዝር ብሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብኣባላት ፌደራል ፖሊስን ዝተቐትሉን ዝተማረኹን ዝተባህሉ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ዕላዊ ኮይኑ።

መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ከምዝበሎ ንጭፍጨፋ ማይ ካድራ መሪሖም ዝተባህሉ ኮነሬል የማነ ገብረሚካኤል ሓዊሱ ሓያለ ወታደራዊ መኮነናት ተቐቲሎም ኣለው።ምክትል ሚኒስትር ሚኒስትሪ መጎዓዚያ ዝነበሩ ሙሉ ገብረእግዚኣብሄር ድማ ኢዶም ካብ መንጎ ዝሃቡ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ ።

ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ወፍሪ ዝኾኑ ብርጋዴር ጀነራል ተስፋየ ኣያሌው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምንዳይ ተሓቢኦም ዘለው ናይ ህወሓት ሰባት ካብ ገፊሕ እናፀበበ መፂኡ ኣሎ ኢሎም።ፈቖዶ ባዕትን ኣብያተ ክርስቲያንን ተሓቢኦም ተረኺቦም፣ኣልባሳት ኣቦታት ሃይማኖት ከይተረፈ ተኸዲኖም ዝተረኸቡ እውን ኣለው ኢሎም።

መንግስታዊ ዜና ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ኢድ ኣንህብን ኢሎም ካብ መንጎ ዝተቐትሉ እውን ኮነሬል ኣለም ገብረዋህድን: ኮነሬል ቢኒያም ገብረመድህን፣ኮነሬል ተስፋየ ገብረመድህን፣ኮነሬል እምባየ፣ኮነሬል መዓሾ፣ኮነሬል ይርጋለም፣ኮነሬል ሓዱሽ፣ኮነሬል ኣፅብሃ፣ኮነሬል ዮሃንስ ካልኣዩ፣ኮነሬል ተኽለእግዚኣብሄርን፣ሌተናል ኮነሬል ብርሃነ ቶላ ካልኦት ብስም ዘይተገለፁን ኣርባዕተ ኮነሬላትን ክልተ ኣመራርሓ ዞባታትን ይርከቡዎም ኢሉ ።

እዚ ብነፃ ምጭንታት ዜና ኣይተረጋገፀን፤ቦታን ግዜን እውን ኣይነፀረን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG