ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ኣዚዛ


ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ኣዚዛ::

ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሑ ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ምእዛዛ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ::

ወሃቢ ቃል'ቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ትካል ህጻናት ኣድህን ሕ/ሃ:ናይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ጨንፈር ኢትዮጵያ: ሓደ አባል ቤት ጽሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያትን ሓደ አባል ቲ ጉጅለን ዝርከብዎም ሸውዓተ አባላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት'ታ ሃገር ጣልቃ ብምእታዎም ዝብል ክሲ ብ'ፐርሶና ና ግራንታ' ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ነታ ሃገር ለቒቖም ክወጹ ኣዚዙ'ሎ::

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣስማት’ቶም ፐርሶና ናን ግራታ ዝተባሃሉ ወጻእተኛታት ወግዓዊ ምግባሩን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንክወጹ ከምዝተወሰነን ተሓቢሩ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሰብኣዊ ጉዳያት ሓዊሱ ንሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕ /ሃ ካብ ሃገሩ ክወጹ ምእዛዙ ከምዘሰንበዶም ገሊጾም::

ንሶም ኣብ መግለጺኦም ‘ኩሎም ንጥፈታት ሰብኣዊ ወፍሪታት ሕቡራት ሃገራት፣ ብሰብኣዊነት፣ ጸግዒ ዘይምሓዝ፣ ዘይሸራዊነትን ነጻነትን ዝብሉ መትከላት ዝምርሑ’ዮም’ ኢሎም።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንመግቢ፣ መድሓኒት፣ ማይን መጸራረዪ ቀረባት ሓዊሱ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ይልግስ ከምዘሎ፣ ነዚ ስራሕቲ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ይዓዩ ብዘለው ሰባት ሙሉእ ምትእምማን ኣለኒ ኢሎም ።

ሕቡራት ሃገራት ነቶም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ይረድእ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ዋና ጸሓፊ፣ እቶም ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ኣገዳሲ መደቦም ንክፍጽሙ መታን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘራረብ ኣለና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG