ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ሳልሳይ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን ንምሕያል ክልቲኣዊ ዝምድና ዕድል ምፍጣሩ ገሊጻ


ሳልሳይ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝጠመተን ርእሰን ክኽእላን ምትሕብባር ከምዝድልይን ብትኹረት ከምዝተዘራረበሉ ተሓቢሩ።ዓለምለኸ መድረኻት ንሃገራት ኣፍሪቃ ፍትሓዊ ክኾኑ'ውን ሓሳብ ቀሪቡ።

ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ እውን ኣብ ክልቲኣዊን ናይ ሓባር ጉዳያት ምስ ናይ ቱርኪ መዘናታቶም ምዝርራቦም ተገሊፁ ኣሎ።

"ፅኑዕ ምትሕብባር ንሓባራዊ ልምዓትን ብልፅግናን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ቱርኪ ኣንካራ ኣብዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ቱርኪን ኣፍሪቃን መራሕቲ ጉባኤ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈጥርኦ ዓለምለኸ ርክብ ንገዛእ ርእሰን ክኽእላንን ሓባራዊ ረብሕአን ዝሕልወለንን ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሮም ከምዝተዘራረበሉ ናይ ምክልት ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ንጋዜጠኛታት ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘስፈሩዎ ፅሑፍ ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ኣባላት ጉጅለ ልኡኾም ምስ ፕረዚደንት ኤርዶዋን ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ዝርርብ ከምዘካይዱ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG