ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ፖለቲካዊ ወገንነት ነጻ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ተገሊጹ


ሓድሽ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመድ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ካብ ፖለቲካዊ ወገናውነት ነፃ ኮይኖም ክሰርሑ ክግበር እዩ ክብሉ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ገሊፆም።

“ኣብዚ ዝሰርሕ መሪሕነት ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፓርቲ ክወፅእ ኣለዎ።ከም ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ናይ ውልቂ እምነት ክህልዎ ይኽእል እዩ።ናይ ፖለቲካ ኣባል ኮይንኻ ግን ብዝኾነ ተኣምር ክልተ ስራሕ ክተሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንፓርላማ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ትካላት ሃገራዊ ድሕነት ይኹን ምክልኻል ክሳብ ሎሚ ካብ ፖለቲካ ነፃ ከምዘይኮኑ ገሊፆም ነይሮም።እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ሓደሽቲ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ምሻሞም ይዝከር ።

XS
SM
MD
LG