ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ምስ መጥቓዕቲ ባህርዳርን አዲስ አበባን ብዝተአሳሰር ብዝሒ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዘለው ተጠርጠርቲ ኣስታት 100 ጥራይ ምኳኖም ተገሊጹ


ምርመራ እቲ 15 ሰነ 2011 ዓ/ም ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ዝተፈፀሙ ቕትለት ከምዝቐፀለ ጀነራል ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ እንዳሻው ጣሰው ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቲ ምርመራ ደንጉዩ እዩ ዝብል እውን ግዜ ከምዝወስድ ይፍለጥ ነይሩ ክብሉ ብምሕባር ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም።

እቲ ምርመራ ምስ ተዛዘመ ንዝምልከቶ ኣካልን ህዝብን ወግዓዊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ካብ ዝተኣሰሩ ተጠርጠርቲ መብዛሕቲኦም ተፈቲሖም ኣለው፤ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝርከቡ ካብ 100 ኣይበዝሑን ኢሎም ።

ገለ ፖለቲካዊ ፓርትታት ግን ምስዚ ናይ 15 ሰነ ቕትለት ብዝተሳሰረ ብዝሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝአተው ብመንግስቲ ይግለፅ ካብዘሎ ንላዕሊ እዩ ይብሉ ።

XS
SM
MD
LG