ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ንምልዛብ ንዘኽእሉ ኩነታት ተጽንዖ ከምዘላ ገሊጻ


ኢትዮጵያ፣ ምስ ህወሓት ንምልዛብ ንዘኽእሉ ኩነታት ተጽንዖ ከምዘላ ገሊጻ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብምክትል ቀ/ሚ ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ፣ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብ ዘሎ ጊዜ፣ ንፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልጽግና፣ እቲ ጉዳይ ዝምልከት ሪፖርት ከምዘቅርብ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀ/ሚ "እቲ ኮሚቴ፣ ንሰላም ዝምልከት፣ ኢትዮጵያ ዘድልያ እንታይ እዩ፧ እንታይ’ከ ንምዕዋት እዩ ንላዘብ፧ ከመይ ገይርና ኢና ንላዘብ፧ ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምጽናዕ እያ ጸኒሓ" ኢሎም።እታ ኮሚቴ ስርሓ ምስ ዛዘመት፣ ውጽኢት ስርሓ ናብ ህዝቢ ብወግዒ ከምዘፍልጥ’ውን ሓቢሮም።

እቶም ቀ/ሚ ምስ ህወሓት ይላዘቡ ከምዘለው ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቓላሕ ምጽንሑ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ጊዜ ምስ ኣኸለን ልዝብ ምስ ጀመርና ክንዛረበሉ ኢና" ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

ናብ ልዝብ ንኣቱ እንተኾይኑ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝላዘብ እታ ኮሚቴ ከምትኸውን ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኦም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም፡ ናብ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽቲን ዝጻሓፍዎን ንህዝቢ ቅሉዕ ኣብ ዝገበሩዎን መልእኽቶም፣ ምምሕዳሮም ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ወትሩ ቅሩብን ኣብ በበይኑ ጽምዶ ክሳተፍ ከም ዝጸንሐን ገሊጾም። ንኹሉ ሓቆፍን ክፉትን ዘተ ድሉውነቶም ዝገለጹ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ናብ’ቲ ብኬንያ ዝምራሕ ልዝብ ሰላም ልኡኽ ክሰዱን ኣብቲ ጉዳይ ብግልጺ ክዛረቡን ድሉው ምዃኖም ኣመልኪቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG