ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ምርጫ ቦርድ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ልዝብ አካይዱ


ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ወፍሪ ምርጫ ኣብ ዝተኸለከለሉ ናይ ፅሞና እዋን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጎስጓስ ምርጫ ቀፂሉ ኣሎ ክብሉ ቅሬትኦም ኣቕሪቦም።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ጥርዓን ኣፃሪየ ስጉምቲ ክወስድ እየ ኢሉ ኣሎ።አደ መንበር ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ዝነበረ ከይዲ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርትታት ልዝብ ኣካይደን ኣለዋ ።

ብኻልእ ዜና 18 ፓርትታት ዝወዳደርሉ ክልል ኣምሓራ ኣገደስቲ ናይ ምርጫ ናውቲ ይኣትው ምህላዎም ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ቦርድ ምርጫ ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 7 ሚሊዮን ሰባት ንምምራፅ ምምዝጋቦም 118 ናይ ምርጫ ክልላት ተዳሊዮም ከምዘለው ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቦርድ ምርጫ ናይቲ ጨንፈር ኣቶ መኳንንት መከተ ሓቢሮም።

ሶኑይ 14 ሰነ 2013 ንዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ፖለቲካዊ ፓርትታት ወፍሪ ምርጫ ብቕድሚ ትማሊ ጠጠው ኣቢሎም እዮም።

XS
SM
MD
LG