ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ መድረኽን ሰማያዊ ፓርትን ምስ መንግስቲ ልዝብ ንምጅማር ድልዋት ምኳኖም ኣፍሊጦም


ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ውድባት መድረኽን ሰማያዊ ፓርትን ካብ መንግስቲ ሕቶ ልዝብ ከምዝቐረበሎምን ልዝብ ንምጅማር ድልዋት ምዃኖምን ኣፍሊጦም።እቲ ልዝብ ገለልተኛ ናይ ውሽጢ ሃገር መንጎኛ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣቦ ወንበር ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣብዝሃብዎ መግለፂ መድረኽ ሓድሽ ፃውዒት ቀሪቡሉ’ሎ ኢሎም።

“ዝሕባእ ነገር የለን።ንልዝብ ሓቲቱና’ሎ።መድረኽ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንልዝብ ዝቐርብ ይመስለኒ።ምምስራት ሃገራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ ንልዝብ ክነቐርቦ ኢና።ሓቃዊ ሰላማዊ ስግግር ኣብዛ ሃገር ንክመፅእ ናብ ኢህወዴግ ንኸይድ ባዶ ኢድና ከይኮነስ እዚ ትሪኦ ዘለኻ ሰነድ ኣዳሊና ንልዝብ ክነቕርቦ ኢና።”

ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ተመሳሳሊ ፃውዒት ከምዝቐረበሎም ዝገለፁ ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ እውን ከምዚ ኢሎም።

“መንግስቲ ዝተፈላለዩ ነገራት ከዕሪ ንምልዛብ ድልው ስለዝኾነ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ልዝብ ነይርኹን ገዲፍኩምዎ ወፅኢኹም ኢኹም።ሕጂ ግን ክትምለሱን ክንዘራረብን ንሓተኩም ኣለና ዝብል እዩ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብዝተፈላለየ መንገድ ዝቃለሱ ኩሎም ክፍጠር እዩ ኣብ ዝበሉዎ ፖለቲካዊ ሃውህው ኣትዮም ክሕግዙ ምፅውዖም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG