ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ድሕሪ 20 ዓመታት ምስ ስድራቤቱ ይጽንበር


ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ መስርሕ ሰላም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ መጀመርያ በረራ ሓምለ 18 ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ አካይዳ።

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ አዲስ አለም ሓድጉ ሓደ ካብቶም 400 ተሳፈርቲ ፈላማይ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ’ዩ ኔሩ።

ንሱ “ ሕጂ እቲ ጸልማት ተቐንጢጡ ንበዓልቲ ቤተይ ብዓይነይ ክርእይ በቒዓ፡ ንደቀይ ርእየ። ወዲ ጓለይ’ውን ክርእይ በቒዓ። ከም ሎተሪ ዝበጽሓኒ እዩ ዝስመዓኒ ዘሎ” ይብል።

ኣብ 1998 ኹናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣስታት 70,000 ኤርትራዊያንን ትውልደ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ምስጓጋ ይዝከር።

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ድሕሪ 20 ዓመታት ምስ ስድራ ቤቱ ይጽንበር
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:03 0:00

አዲስ አለም ንሱ ኢትዮጵያዊ ብምዃኑ በዓልቲ ቤቱ በዚ ጉዳይ ትጽለው ኣይመሰሎን እንተኾነ ውጥረት ክልቲኣን ሃገራት እንዳሓየለ ምስ ኸደ በዓልቲ ቤቱ ክልተ ደቃ ሒዛ ናብ ኤርትራ ኸይዳ።

አዲስ አለም ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ምድ ደቑ ኮነ ምስ በዓልቲ ቤቱ ክራኸብ ዝኽእለሉ መንገዲ ኣይነበረን።

ብኸመይን ንምንታይን ናብ ኤርትራ ከምዝኸደትን ዝፈልጦ ከምዘየለ ይገልጽ።

እንተኾነ ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ናብ መዝነት ምስ መጹን ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ኹነተ ኹናት ምብቕዑ ስዒቡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናብ ኣስመራ በረራ ከምዘካይድ ምስ ተገልጸ ጋዜጠኛ አዲስ አለም ሓድጉ ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቑን ዳግማይ ንምጽንባር ካብቶም ናብ ኣስመራ ዝኸዱ ቀዳሞት ገያሾ ዝኾነ፡ ስምዒት’ቲ ዳግማይ ድማ ብቃላት ክገልጾ ከምዘጸገሞ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG