ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጲያ ክልል ትግራይ ብዘሎ ኹናት ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መረበቶም ገዲፎም ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከራት ሱዳን ይርከቡ። ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት በቲ ዘጓነፎም ሃንደበታዊ ዋሕዚ ሰባት እኹል ሓገዝ ንምሃብ ይፅገሙ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ሓደ ኣብ ሑመራ ክሊኒክ ዝነበሮን ንርእሱ ከድሕን ናብ ሱዳን ዝተሰደደን ዶክተር ኣብ መዓስከር ሓባሽ ክሊኒክ ከፊቱ ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ ።
ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ሕክምና ስፔሻሊስት ምዃኑ ዝዛረብ ዳር ያለው ጉዑሽ ቅድሚ ኣብ’ዚ ወርሒ ናብ ሱዳን ስደት ምኻዱ ኣብ ሑመራ ፍሉጥ ዶክተር ዝነበረ ኾይኑ ምስ መሳርሕቱ ኾይኑ ኣብ ምብራቃዊ ሱዳን ዝርከብ ሓሻባ ዝበሃል መዓስከር ስደተኛታት ክሊኒክ ከፊቱ ነቶም ሕክምና ዘድልዮም ስደተኛታት ኣገልግሎት ይህብ ኣሎ።