ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባሬጋ ኣብ ውድድር ጉያ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ኦሎምፒክ ቶክዮ ተዓዊቱ። ንኢትዮጵያ ቀዳማይ መዳልያ ወርቂ ረኺባ። ንሱ ንዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ንምዝዛም ዝወደአሉ ጊዜ 27፡43፡22 እዩ ስለዝኾነ ድማ ሰለሞን ንወናኒ ክብረ ወሰን ኣብ 5 ን 10 ሽሕ ሜትሮ ዝኾነ ኡጋንዳዊ ጆሽዋ ቼፕቹጊ’ውን እዩ ስዒሩ። ኣብ’ቲ ቶክዮ ዘተኣናገደቶ ጉያ 10 ሽሕ ሓያል ተወዳዳራይ ዝነበረ ኡጋንዳዊ ጃኮብ ኪፕሊሞ ሳልሳይ ወጺኡ። ኢትዮጵያዊ ብርሃኑ ኣረጋዊ ራብዓይ፣ ኬንያዊ ሮጀር ክዊሞይ ሻውዓይ፣ ኢትዮጵያዊ ዩሚፍ ቀጀልቻ ሻምናይ። ኬንያዊ ሮንክ ኪፕሩቶ ታሽዓይ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ቅድድም 10 ሽሕ፣ ብሓፈሽኡ 6 ኣፍሪቃዊያን ተቀዳደምቲ ብሉጽ ደረጃ ረኺቦም ኣለው።
ኣብ ውድድር ጉያ ደቂንስትዮ፣ ኢትዮጵያዊያን ሰንበሬ ተፈሪ፣ ሰላማዊት ተፈሪን እጅጋየሁ ታየን፣ ጉዳፍ ጸጋይ፣ ኬንያዊት ሄለን ኦብሪ፣ ቡሩንዳዊት ፍራንሳይን ንዮንሳባ፣ ከምኡውን ኤርትራዊት ራሄል ዳንኤል፣ ንሆላንድ ትስለፍ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሲፋን ሓሰን ኣብ 5 ሽሕ ሜትሮ መጻረይ ውድድራት ሓሊፈን ኣለዋ።
ኢትዮጵያዊያን ኣትሌት ለመቻ ግርማ፣ ታደሰ ታከለን ጌትነት ዋሌን ከምኡውን ኤርትራዊ የማነ ሃይለስላሴን፣ ኣብ 3 ሽሕ ሜትር መሰናክል ንመጻረዪ ቅድድም ሰጊሮም ኣለው።
ኣብ 800 ሜትር መጻረዪ ብደቂንስትዮ፣ ኢትዮጵያዊት ሃብታም ኣለሙ፣ ነጻነት ደስታ ናብ ቀጻላይ ምዕራፍ ሓሊፈን ኣለዋ።
ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ይሳተፋ ዝነበሩ 10 ናይጀርያዊያን ኣትሌታት፣ቅድሚ ካብ ሃገሮም ምብጋሶም ‘መርመራ ኮቪድ 19 መሊኦም ስለዘይፈጸሙ' ንዓዶም ከምዝጥረዙ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።
ብመሰረት ዝተዘርገሐ መግለጺ ‘ዓሰርቲኦም ኣትሌታት፣ ንመምርሒታት ምክልኻል ኮቪድ 19 ብሙሉእነት ኣይሳዓቡን’ ይብል። ካብ ካልኦት ሓሙሽተ ሃገራት ማለት ካብ ቤላሩስ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሞሮኮን ዩክረይንን ናብ ቶክዮ ዝኣተው ዝተወሰኑ ኣትሌታት፣ ኣብ ውድድር ከምዘይሳተፉ ተገሊጹ ኣሎ። ዝያዳ ዝተጠቅዐት ግና ጋንታ ኦሎምፒክ ናይጀርያ ኮይና ኣላ። ብመሰረት መምርሒ ሕጊ 15 (ሩል 15) 35 ኣትሌታት ዘመዝገበት ቤላሩስ እቶም 3፣ 44 ኣትሌታት ዘሳተፈት ኢትዮጵያ ሓደ፣ 40 ኣትሌታት ዘሰለፈት ኬንያ እቶም 2፣ 16 አትሌታት ዘሳተፈት ሞሮኮ 1፣ 23 ኣትሌታት ዘሰለፈት ናይጀርያ እቶም 10፣ 51 ኣትሌታት ዘሳተፈት ዩክረይን አቶም 3 ኣብ ናይ ሎም ዘበን ውድድራት ኦሎምፒክ ኣይክሳተፉን እዮም።
ክሳብ ሎሚ ዘሎ ሰደቃ መዳልያታት፣
ቻይና 19፣ ጃፓን 17፣ኣመሪካ 14 ወርቂ ሒዘን 1ይ፣ 2ይን 3ይ ይርከባ። ሩስያ፣ ኣውስትራልያ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኔዘርላንድ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ካብ 4ይ ክሳብ 10ይ ተሰሪዔን ኣለዋ። ውድድራት ኣትሌትክ፣ ኩዕሶ እግሪን ካልኦትን ተደማሚሩ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ’ዚ ዝርዝር’ዚ ከምዝካተታ ዘጠራጥር ኣይኮነን።