አዲስ አበባ —
35 ዶክተራት ጠቕላላ ሕክምናን ኣርባዕተ ስፐሻሊስትን ዝሓዘ ጉጅለ ሓካይም ኣብ ኤርትራ ናይ ሰናይ-ፍቓድ ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ሎሚ ናብ ኣስመራ ከምዝኸደ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሚንስተር ዴአታ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ንመንግስታዊ ሚድያ-ፋና ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፡ ናይቶም ሓካይም ጉዕዞ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኣብ ምሕያል ልዑል ኣበርኽቶ ከምዝህልዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀጻሊ`ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምሕያል ከምዝቕጽል ኣፍሊጠን፡፡
እቲ ኣብ ኤርትራ ንኽልተ-ኣዋርሕ ዝጸንሕ ጉጅለ ሓካይም፡ ብሞያኦም ህዝቢ ብምግልጋል፡ ናይ ልምዲ ልውውጥ ብምግባር፡ ኣብ ምትእስሳር ህዝብታት ዝጽበዮም ሓላፍነት ከምዝፍጽሙ እተን ሚንስተር ዲአታ ምግላጸን ፋና ሓቢሩ`ሎ።
እቲ ናይ ሰናይ-ፍቓድ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ጉጅለ፡35 ጠቕላላ ሓካይምን፡ ኣርባዕተ ስፐሻሊስትን ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ።