ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

12 ኢትዮጵያዊያን ዝርከብዎም 17 ሰባት ኣብ ዕዳጋ የመን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሞሟቶም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ የመን ግዝኣት ሳዳ ዝርከብ ዕዳጋ ኣል ራቓ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 17 ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ። እዚ ኣብቲ ቦታ ዘጋጠመ ሳልሳይ መጥቓዕቲ ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

እዚ መጥቓዕቲ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲን ብኢራን ዝድገፍ ተቓለስቲ ሑቲ ዝካየድ ኹናት ዝግ ኣብ ዝበለሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተቓለስቲ ሑቲ ዝርከብ ግዝኣት ሳዳ ዝርከብ ዕዳጋ ኣል ራቓ ብሶሉስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ካብ ዝሞቱ 17 ሰላማዊያን ሰባት 12 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ምዃኖም ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ 12 ካልኦት በቲ መጥቓዕቲ ምቁሳሎም ብምሕባር ብዛዕባ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ አካል ኮነ ዝርዝር ሓበሬታ’ቲ መጥቓዕቲ ኣይገለጸን።

እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ጥቓ’ቲ ዕዳጋ ስርሒት ምክያዱ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣቐዲሙ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣል ራቓ ዕዳጋ ክልተ መጥቓዕቲ ዘጋጠመ ምዃኖምን ኣስታት 32 ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ካልኦት ኣስታት 32 ምቁሳሎም ይዝከር።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ጨንፈር የመን ሊሳ ግራንደ “እቲ ኣብ ኣል ራቓ ዘጋጠመ መጥቓዕቲታት ክልቲኦም ወገናት ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ምትግባሮም ስግኣት ዝፈጥር እዩ” ኢለን።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ዕዳጋ ኣልራቓ ብዝተኻየደ መጥቓዕቲ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 89 ሰባት ዝሞቱን ዝቆሰሉን ከምዘለው ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG