ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ወታሃደራት ኣብ ሶማል ዝወደቐት ነፋሪት ኬንያ ሃሪሞም ምውዳቖም ይግለጽ'ሎ


ኣብ ሶማል ዝርከቡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ንሓንቲ ናይ ኬንያ ነፋሪት ብጌጋ ወቒዖም ከምዘውደቕዋ ኣፍሊጦም። ኣብታ ሕክምናዊ መሳርሕታት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ዝነበሩ ሽዱሽተ ሰባት ኩሎም ኣይድሓኑን።

እቲ ኩነታት ዘጋጠመ፥ እታ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፋሪት ክትዓልብ ኣብ ትዳለወሉ ዝነበረ ሓንቲ ዙ-ጸረነፍርቲ ዝዓጠቐት ወታሃደራዊት መኪና ብምርኣያ ንድሕሪት ተመሊሳ ካልኣይ ክትዓልብ ክትብል በቲ ሚሳይል ተወቒዓ ከምዝወደቐት ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

እቶም ወታሃደራት ኢትዮጵያ እታ ነፋሪት ትድብድቦም መሲልዎም ከምዝሃረምዋ ይገልጹ። እቲ ኩነታት ምጽራይ ይግበረሉ`ሎ።

እቶም ኣብቲ ኩነታት ዘጋጠመሉ ባርዳለ ትብሃል ጥቓ’ቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ባይደዋ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ወታሃደራት ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም ዝርከቡ ኣይኮኑን።

XS
SM
MD
LG