ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ናይ ምስዳድ መሰሎም ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ መንግስቲ እስራኤል ንዘሕለፎ ውሳነ ኢምግሬሽን ብምቅዋም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ሰልፊ አካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት እዚ ውሳነ መንግስቲ እስራኤል ስድራቤታት ኣብ ክልተ ሃገራት ዝመቕል’ዩ ይብሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 135,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል ይነብሩ፡ ኣስታት 8,000 አባላት ስድራቤት እዞም ኢትዮጵያዊን ድማ ነቲ ብ’ኣልያ’ ዝፍለጥ መስርሕ ኢምግሬሽን ንምፍጻም ይጽበዩ ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ መንግስቲ እስራኤል ንኣስታት 1,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ናብ ኣብ እስራኤል ዘለው ኣባላት ስድራቤቶም ክሕወሱ ድሕሪ ምፍቓዱ ሓደ ስድራ ቤት ጥራይ ናብ እስራኤል ክኸዱ ምኽኣሎም እዞም ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ይገልጹ።

ካብ 1970ታት ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁዱን ናብ እስራኤል ክስደዱ ጸኒሖም እዮም እንተኾነ ካብ ቐረባ እዋን ጀሚሩ ሕግታት መንግስቲ እስራኤል ንዋሕዚ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ከጓትቶ ጸኒሑ’ዩ።

ሃይማኖታዊ ሕጊ እስራኤል ነዞም ካብ ኣመንቲ ክርስትና ናብ ኣመንቲ ኣይሁድ ዝተቐየሩ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ከም ኣይሁድ ኣይቖጽሮምን ስለዚ ድማ አባላት ስድራቤቶም ኣብ ኽንዲ “ኣልያ” ብሕጊ ኢምግሬሽን ብምርካብ ስድራቤት ናብ እስራኤል ክኣትው ኣለዎም ይብል። ይኹን ደአ እምበር ኽሳብ 2013 አባላት ስድራቤት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን አይሁዱ ብዘይ ጸገም ናብታ ሃገር ክኣትው ምጽንሖም ይፍለጥ።

ነቐፍቲ ብወገኖም እዚ ውሳነ መንግስቲ እስራኤል ኣድልዎ እዩ ክብሉ ብትሪ ነቲ ስጉምቲ ይቓወሙ።

XS
SM
MD
LG