ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክገብርሎም መንግስቲ ጸዊዑ


ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ አሕመድ ሸደ
ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ አሕመድ ሸደ

ኢትዮጵያዊያን ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክገብርሎም ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ አሕመድ ሸደ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም።

“ካብ ጽባሕ ጀሚሮም ወግዓዊ ዑደት ንምግባር ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ አዲስ አበባ ኽኣትው’ዮም። አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ድሙቕ ኣቀባብላ ንምግባርን ብዝተማልአ ኣገባብ ንምቕባልን አዲስ አበባን ኸባቢኣን ዝርከብ ህዝቢ ብምልኡ ወጺኡ ንኤርትራዊያን ኣሕዋትና ብኢትዮጵያዊ ዲሲፒሊንን ሰላምን ሕውነትን ዝተማልኣ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ክገብር ብወገን መንግስቲ መጸዋዕታ ነቕርብ ኣለና።”

ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ንኸተማ አዋሳ’ውን ከምዝበጽሕ አቶ አሕመድ ሸደ ዝገለጹ ክኾኑ ኸለው ህዝቢ አዋሳ’ውን ድሙቕ ኣቀባብላ ክገብር ጸዊዖም ኣለው።

ባንዴራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጎደናታት አዲስ አበባ
ባንዴራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጎደናታት አዲስ አበባ

ሰንበት ምሸት ናይ ኽልቲኡ ህዝብታት ናይ ሰላም መብሰሪ ዓብይ ናይ ድራር ግብጃ ከምዝገብርን ኣብ መለንየም አዳራሽ ዓብይ በዓል ከምዝዳለውን ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ አሕመድ ሸደ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ’ሎ።

‘ሰንበት ምሸት ኣብ አዳራሽ መለንየም 25 ሺሕ ህዝቢ ዝርከበሉ ዓብይ ናይ ሰላም መብሰሪ በዓል ክግበር’ዩ።”

ኣብኡ ክልቲኦም መራሕቲ መደረ ክገብሩ’ዮም፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ኢትዮጵያዊያንንን አባላት ዓለምለኻዊ ዲፕሎማቲክ ኮሚኒቲ ክርከቡ’ዮም ብሙዚቃ ዝተዓጀበ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ፍቕርን ሕውነትን ዘበስር ዓብይ ፕሮግራም ተዳልዩ’ሎ ክብሉ አቶ ኣሕመድ ሸደ አረዲኦም።

ከተማ አዲስ አበባ ብባንዴራ ክልቲኣን ሃገራት ማዕሪጋ ከምትርከብ ሓይልታት ጸጥታ በብቦትኡ ብጥንቓቐ ክዘዋወሩ ይረአዩ ኣለው ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ አዲስ አበባ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያዊያን ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ክገብርሎም መንግስቲ ጸዊዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG