ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ተወዳደርቲ ኣብ ቱር ርዋንዳ 2018 ተዓዊቶም


ኢትዮጵያ ተቐዳዳማይ ሙሉ ክንፈ
ኢትዮጵያ ተቐዳዳማይ ሙሉ ክንፈ

ኢትዮጵያዊ ሙሉ ክንፈ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተዛዘመ ቱር ሩዋንዳ 2018 ዝበለጸ ናይ ዓቐበት ተወዳዳይ ብምዃን ተዓዊቱ።

ንሱ ብውሕሉል ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ብምርካብ ተዓዊቱ’ሎ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ሻድሻይን ናይ መወዳእታ መድረኽ እቲ ውድድር ኢትዮጵያ ተቐዳዳማይ ደሳለኝ በረኸት ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ’ሎ።

ኢትዮጵያ ተቐዳዳማይ ደሳለኝ በረኸት
ኢትዮጵያ ተቐዳዳማይ ደሳለኝ በረኸት

ስለዝኾነ ድማ ብድምር ነጥቢ ኢትዮጵያ ኣብ ቱር ርዋንዳ 2018 ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ’ቲ ውድድር ዛዚማ’ላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ጽቡቕ ውጽኢት ከተመዝገብ ዝጸንሓትን ኣብ ዝበዝሓ መድረኻት’ቲ ውድድር ዓወት ተመዝግብ ዝነበረት ኤርትራ ኣብዚ ናይ 2018 ቱር ሩዋንዳ ዘይምስታፋ ይፍለጥ።

ኤርትራ ብዳንኤል ተክለሃይማኖት ኣቢላ ንቱር ርዋንዳ 2010 ዝተዓወት ክትከውን ከላ ኣብ 2012 ድማ ብመርሃዊ ቅዱስ ኣቢላ ብዕድመ ዝነኣሰ ዝበለጸ ተወዳዳራይ ብምኳን ክብረ መዝገብ ምርካባን ብመትከል ኢዮብ አቢላ ድማ ኣብ ዝበዝሓ መድረካት’ቲ ውድድር ምዕዋታ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያዊያን ተወዳደርቲ ኣብ ቱር ርዋንዳ 2018 ተዓዊቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:48 0:00

XS
SM
MD
LG