ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ትግራይ ኵናት ጠጠው ክብል ብምፅዋዕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ድምፆም ኣስሚዖም


ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ዝበሉዎ ኵናት ብምቅዋም ሎማዕንቲ ሶኑይ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዝርከብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናይ ተቓውሞ ድምፆምከስምዑ ውዒሎም።

ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ በዝሒ ተወለድቲ ትግራይን ካልኦትኢትዮጵያዊያንን ከምኡ እውን ኤርትራዊያን ዝተረኸቡሉ ዝበሉዎ ኵናት ጠጠው ይበል ኢሎም።

ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ናይ ኣብይ ኢሎም ዝፀውዕዎ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵናት ኣዊጁ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ወታደራዊ ዘመት የካይድ ስለዘሎ መሰረት ዘይብሉን ምኹንዩን ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ነፃነትን ባህግን ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ወራር ስለዝኾነ ህዝቢ ዓለም ፈሊጡ ጠጠው ከብሎ ፃውዕቲ ንምግባር እዩ ኢሉ ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ የማነ ሓለፎም።

ኣብቲ ሰልፊ ኵናት ኣይፋልን፣ኣብይ ይውረድ ዝብሉን ካሎትን ጭርሖታት የስምዑ ነይሮም።ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ዩናይትድ ስቴትስ ኵናት ጠጠው ንክብል ድፍኢት ክገብሩ ዝፅውዕ መልእኽቲ ንምስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደብዳበ ምቕራቦም ገሊፁ ኣሎ ኣቶ የማነ ሓለፎም።

መዓዛ ጊደይ ዝተብሃለት ነባሪ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂኒያን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሳተፈትሉ ምኽኒያት ምእንቲ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ድማ ደላዩ ሰላም ኮይኑ ግን ኣብ ልዕሊኡ ተኣዊጁ ዘሎ ኵናት ጠጠው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ጣልቃ ክ ኣቲ ንምፅዋዕ እዩ ኢላ።እቲ ኵናት ንትግራይን ኢትዮጵያን ጥራሕ ከይኮነ ነቲ ዞባ ሓደገኛ እዩ እውን ኢልካ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



ነቲ ሰልፊ ዘዋደድኦ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲና ከባቢኣን ዝርከባ ውዳበታት ተጋሩ እየን ብመሰረት ኣቶ የማነ። ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG